Our History

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ጳውሎስ ዘኢየሱስ (ኣባ ተክለማርያም ኃይሉ ገብረሚካኤል)፡ ኣብኡ “ተክለማርያም” እኳ እንተበልዎ፡ ኩሉ ሰብ ግን፡ ኣዲኡ ዘውጽኣሉ ‘ጳውሎስ’ ብዝብል ሽም ይጽውዖ ።  መቦቀል ዓዲ ጳውሎስ ሰሜን ክፍሊ ኢትዮጲያ ኮይኑ፡ ኣብኡን ኣዲኡ’ውን ካብዚ ከባቢ እዮም ።

ብዲቁና መዓርግ ብደብረ ኣባይ መዝገበ ቅዳሴ ሓደ ዓመት ምስኣገልገለ፡ ፍሉይ ተውህቦ ስለዝነበሮ፡ ነዚ ዘስተውዓሉ ሊቃውንቲ ቤት ክህነት፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ዜማ ድጓ ንሓደ ዓመት ክምሀር ለኣኽዎ ። ኣብ ትምህርቲ ዜማ ኣትዩ፡ ሰለስተ ዓመት ጾመ ድጓን ድጓን ተማህረ ።  ብተወሳኺ ትምህርቲ ቅኔ ንኣርባዕተ ዓመት ተማህረ ። ቀጺሉ፡ ትምህርቲ አቋቋም ንሓሙሽተ ዓመት ተማህረ። ብድሕር’ዚ ትምህርቲ ዝማሬን መዋሥዕትን ንኽልተ ዓመት ተማሂሩ ወደአ ።

ትምህርቲ ስነ መሎኾት ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማህረ። ናብ ጎይታ ምስ መጸ ድማ ብ66ን መጽሓፍ ቅዱስ (ስነ መለኮት) ቲኦሎጂ ሰለስተ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ወሲኹ ተማህረ ። ብድምሩ፡ ኣብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ጥራሕ 22 ዓመት የሕሊፉ አሎ ።

ድሕረ ባይታ አገልግሎት (ብጳውሎስ)

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ከለኹ፡ ናይ ዕረፍቲ ጊዜይ ናብ ገዳም ብምኻድ የሕልፎ ነበርኹ ። ትምህርቲ ስነ መሎኾት ክውድእ ሓደ ዓመት ክተርፈኒ ከሎ፡ ናብ ገዳም ዋልድባ አምራሕኩ ። ጽድቂ ክቁጸረለይ ሱባኤ ኣትየ ኣብ ከቢድ ጾምን ስግደትን ከለኹ፡ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ተገለጸለይ ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ካብ ኢዱን እግሩን ደም እናፍሰሰ ረኤኹ ። በለኒ ድማ፡ “ወደይ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ? ካብዚ ውጻእ፥ ክኸውን ዘሎዎ ነገር ድማ ከርእየካ እየ።” በለኒ ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ተገሊጹ፡ ካብ ዘልኣለም ሞት ምስ ኣምለጥኩ፡ ንካልኦት ወንጌል ክሰብከሎም ከም ዝግባኣኒ  ነገረኒ ።

ኣብ 2007 ብስነ መሎኾት ብባችለር ዲግሪ ምስ ተመረቕኹ፡ ብሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ናይ ቁምስና ሹመት ተሾምኩ፤ “መልአከ ምሕረት” ዝብል መዓርግ ድማ ተዋህበኒ ። ተወሳኺ፡ ብሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ “መልአከ ገነት” ዝብል መዓርግ ተዋህበኒ ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘሎዋ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስትያናት ከመሓድር ስልጣን ተዋህበኒ ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ሲኖዶስ ዘሎኒ ትምህርትን ብቅዓት ምሕደራን ርእዮም፡ ናይ ጆሃንስበርግ ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ካቴድራል ንኸመሓድር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልኣኹኒ ። ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሓኔ ዓለም ካቴድራል ንሓደ ዓመት ዝኣክል ከመሓድር ከሎኹ፡ ብዝረኸብክዎ አጋጣሚ ኩሉ ንህዝቢ ወንጌል ይሰብኽ ነበርኩ ። ብተወሳኺ’ዉን “ሓቀኛ እምነት ብሓቀኛ ኣማኒ እንክግለጽ” ዝብል መጽሓፍ ጺሒፈ ዘርጋሕኩ ። ነዚ ዝረአዩ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ድማ ከሳጉግኒ ጀመሩ ። ብዝበጽሓኒ ዝነበረ ጸቅጥን ስደትን ካብ መድሓኔ ዓለም ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ክወጽእ ተገደድኩ ። ወንጌል ካብ ዝሰበኹሎም ጎይታ ዝተቀበሉ ልዕሊ 500 አመንቲ ድማ ስዒቦምኒ ወጹ ።

ስደት ግን ብዕጽፊ ወሰኸ ። ሰይጣን ተቆጢዑ ክቀትሉኒ ዝደልዩ ክፉኣት ሰባት ኣተንስአ ። እዚ ክኸውን ከሎ፡ መንፈሳዊ ኮለጅ ኣትየ ስነ መሎኮት እናተመሀርኩ ክጸንሕ ከም ዘሎኒ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምርሒት ረኸብኹ ። ደገ ትምህርቲ ተኸፊቱለይ ድማ እንደገና  ሰለስተ  ዓመት ኣብ ትምህርቲ ጸናሕኹ ። ብረዲኤት ኣምላኽ ብከምዚ መንገዲ ካብ ውዲት ጸላኢ ኣምሊጠ ትምህርተይ ወዲአ አገልግሎተይ ክቅጽል ኸአልኩ ።

ተልእኾና፡ ብወንጌል ክርስቶስ ሰባት ክድሕኑ፥ ንዝደሓኑ ድማ፡ ብትምህርቲ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ክኾኑ ምግባር እዩ (ማር 16፡15፥ ማቴ 28፡19-20) ። እዚ ጋህዲ ክኸውን ከኣ፡ ብመንገዲ ኣገልግሎት “ምድሓን ብክርስቶስ” ምስ ኩሎም ቅዱሳንን ማሕበራትን ሓቢርና ተልእኾና ንፍጽም ኣሎና ።

ከምቲ ቃል ኣምላኽ “ሰማይን ምድሪን አብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ዝብሎ (ኤፌ 1፡10)፡ ሰባት ብወንጌል ናብ መንግስቲ ኣምላኽ መታን ክጽምበሩ ንዑ ሓቢርና ንስራሕ ። ከም ኣምላኽ ዝሀበኩም ጸጋ፡ ምሳና ሓቢርኩም ወንጌል ክትዓዩ ብፍቅሪ አምላኽ ደጊምና ንጽውዕ ።

ምጽኣት ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ቀሪቡ እዩ ። የሱስ ክርስቶስ ዝደንጎየኳ እንተመሰለ፡ ሰባት ተነሲሖም ንክድሕኑ ዕድል ክህብ ኢሉ’ዩ (2ጴጥ 3፡9) ። ንሕና ነዚ ዕዮ ዝተመደብና ድማ፡ ሓላፍነትና ብግቡእ ክንፍጽም ይግባእ ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኹላትና ይደግፍ ! (ማቴ 25፡14-30፤ ዳን 12፡3) ።

ራእየይ “ምድሓን ብክርስቶስ” (ግሃ 4፡12) መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት መሰረት ዝገበረ እዩ ። ዋና ራእይ ባዕሉ እግዚአብሄር ኣምላኽ እዩ፤ ኣነ ጳውሎስ ዘኢየሱስ (Teklemariam Gebremicheal) ድማ ተቀባሊ ራእይ እየ ። እዚ ራእይ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ብመንገዲ ሳተላይት ቴሌቪዥን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ወንጌል ምብጻሕ እዩ ።

ጐይታ ተቀቢለ፤ ስነ መሎኾት ተማሂረ ወዲአ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 4 ዓመት ምስ ጸናሕኩ፡ ብዕለት 27/10/2016 ለይቲ ሰዓት 3፡00 AM ራእይ ረኤኹ ። ንምቁጻሮም ዘጸግም ብዙሕ ህዝቢ ወንጌል እናሰበክዎም፡ ክዳኖም ናብ ጻዕዳ ክልወጥ ብራእይ ርኤኹ ። እዚ እናረአኹ፡ “በዚ ኣገልግሎት፡ ካብ 2 ቢሊዮን ንላዕሊ ነፍሳት ናብ መንግስተይ ከእትዎም እየ’ሞ ተንስእ ተዳሎ” ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ድማ ሰማዕኹ ። ተንስኤ ነቲ ዝረአኽዎን ዝሰማዕክዎን ኣብ ጽሑፍ አስፈርክዎ ።

ካብ ዝራእኽዎ ዝሰማዕክዎን ዝተላዕለ ውሽጠይ ዓቢ ሓይልን ሓጎስን መልአ ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ወንጌል ብሓይሊ ብትብዓት ክምስክር ጀመርኩ ። ኣብ ዓበይቲ አኼባታትን ኮንፈረንሳት ዝሰበኽዎ ወንጌል፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ንደቂ ሰባት ክበጽሖም ጀመረ ።

ብኣገልግሎተይ ብዙሓት ሰባት ካብ ዘልኣለም ሞት ከምልጡ ጀመሩ ። ብኡ መጠን ድማ ሰይጣን ዘሳጉጉኒ  ሰባት ኣተንስአ ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ17/03/2017፡ ኣብ ጆሃንስበርግ “ኢስት ጌት” ኣብ ዝብሀል ቦታ(ሞል) ምስ ኤርትራዊ ፓስተር ግርማይን ኢትዮጵያዊ ፓስተር ጆኤልን ከለኹ፡ ካብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ አጉባዝ ክከታተሉኒ ድሕሪ ምውዓል፡ ሰዓት 7pm ምስይ ምስ በለ፡ ካብቲ ሞል ወጺና ናብ መኪና እናምረሕና ከሎና፡ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ኣጉባዝ ከበቡና ። ብካሜራ እናቀረጹ፡ ሰለስተ ኣጉባዝ ሽጉጥ ኣብ ርእሰይ ደቂኖም፡ “ሎሚ ካብ ሞት ከተምልጥ እትኽእል፡ 1ይ ምድሓን ብድንግል ማርያም ጥራሕ እዩ ምስ እትብል፤ 2ይ ድንግል ማርያም ኣማላዲት እያ ምስ እትብል፤ 3ይ የሱስ ክርስቶስ ኣየማልድን እዩ ምስ እትብል፤ 4ይ ናይ ኦርቶዶክስ ልብሲ ክህነት ምስ እትመልሶ ጥራሕ እዩ” በሉኒ ። ኣነ ድማ ብትብዓት በልክዎም፡ “አምላኽ ፈቂዱ ናብ ጐይታ ዝኸደላ መዓልቲ እንተኾይና ቅተሉኒ እምበር፡ 1ይ ምድሓን ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፤ 2ይ ቅድስቲ ማርያም ኣይተማልድን እያ፤ 3ይ ብሓቂ የሱስ ክርስቶስ በይኑ እዩ ኣማላዲ፤ 4ይ ብዛዕባ ክዳን ክህነት ድማ፡ ክርስቶስ ክሰብከሉ ቤተ ክርስትያን ብክብሪ ዝሀበትኒ ልብሲ እዩ’ሞ፡ ኣይመልሶን እየ” በልክዎም ። ኣብ ከምዚ ከሎና ፖሊስ መጹ፤ ገሊኦም ሀደሙ፤ ገሊኦም ግን ተታሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወስዱ ።

ንጽባሓይቱ ናብ መደበር ፖሊስ ተጸዋዕኩ ። ናይቶም አጉባዝ መንበሪ ፍቃድ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሓላፊ ፖሊስ፡ ኣነ እንተ ፈሪመ፡ ብዝገበርዎ ገበን ናብ ዓዶም ክስጎጉ ከምዝኾኑ ነገረኒ ። ኣነ ግን፡ እንተተሰጉጎም ካብ ጎይታ ዓስቢ ከምዘይብለይን ብሰንከይ ክፉእ ክበጽሖም ከምዘይደልን ነገርክዎ። እቲ ሓለቃ ብመልሰይ እናተገረመ “አብዚ ዘመን’ከ ከም ጳውሎስ ዝበለ ኣገልጋሊ አሎ ዲዩ? ” በለ ። መንበሪ ፍቃድ ወረቀቶም ሂቡ ድማ ኣፋነዎም።

ተወሳኪ፡ ብዕለት 19/04/2017 ብገንዘብ ዝተገዝኡ ቀተልቲ ነፍሲ ኣነ ኣብዘይነበርክሉ ማዕጾ ገዛይ ሰይሮም ድሕሪ ምእታው “ሓቀኛ እምነት ብሓቀኛ ኣማኒ እንክግለጽ” እትብል መጽሐፈይ፡ ልዕሊ 300 ቅዳሓት ወሲዶም ኣብ ቀጽሪ መድሓኔ ዓለም ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ኣቃጸልዎ ። ነዚ ተግባር ብቪድዮ ቀሪጾም ብማሕበራዊ መራኸቢታት ፈንዮሞ ኔሮም (እቲ ቪድዮ አብዚ ገጽ ተለጢፉ አሎ፡ ከፊትኩም ከተረጋግጹ ትኽእሉ ኢኹም) ።

ብድሕሪኡ፡ ብብዙሕ ስደትን መከራን እናሓለፍኩ፤ ጐይታ ድማ እናሓለወኒ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ኤሌሻዳይ ተሌቪዥን ኣገልገልኩ ። በዚ ኣገልግሎት ድማ ብዙሓት ሰባት ካብ ዘልኣለም ሞት ኣምለጡ ።

ኣብ 2017 ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእሰይ ኣርሒቐ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ብጥንቃቀ እናተንቀሳቀስኩ፡ ብዝተኸፈተለይ ደገ ወንጌል ኩሉ ብምስትውዓል እናገልገልኩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2018 ንራእየይ ማለት “ምድሓን ብክርስቶስ” ብመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕጋዊ ፍቃድ ክህልዎ ገበርኩ ። ካብኡ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ፡ ኣብ ፌስ ቡክን ዩቱብን ብዝህቦ ኣገልግሎት ልዕሊ 8500 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ድሒኖም ኣለው ።

እንሆ ሕጂ ድማ፡ አምላኽ ረዲኡና፡ ናይ 24 ሰዓት አገልግሎት ሳተላይት ቴሌቪዥን ከፊትና፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወንጌል ክንበጽሖ ብትብዓት ተበጊስና አሎና ።

ሰማይን ምድርን ኣብኣ ዘሎዉን ኩሉ ዝፈጠረ፣ ኩሉ ዝኽእል፣ ኩሉ ዝፈከልጥ፣ ዓቢ፣ ዘልኣለማዊ፣ ፍጹምን ዘይልወጥን ኣምላኽ ፤ ርእሱ ብሰለስተ አካላት፡ አቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዝተገልጸ ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን ።

ዘፍጥረት 1፡26 ፤ ዘዳግም 6፡4-5 ፤ መዝሙር 89፡ 90 ፤ መዝሙር 138፡ 17-21 ፤ ኢሳያስ 40፡28 ፤ ሚልኪያስ 3፡6 ፤ ዮሃንስ 17፡11 ።

እግዚኣብሄር አቦ፡ ብምስሉ ንዝፈጠሮም ደቂ ሰባት ካብ ዘልኣለማዊ ጥፍአት ከድሕን ብዝአተዎ ኪዳን መሰረት፡ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ አሕሊፉ ከምዝሀበን ኣብ ጐይትነት የሱስ ክርስቶስ አሚኖም ንዝተነስሑ ኩሎም ሓጢአቶም ደምሲሱ ሓድሽ ልደትን ናይ ዘልኣለም ህይወትን ዝሀበ ፈቃርን መሓርን ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን ። 

ዘፍጥረት 17፡1-2 ፤ ዘፍጥረት 22፡16-18 ፤ ዘጸአት 3፡15፣ ዘጸአት 6፡2-5 ፤ ዮሃንስ 1፡29 ፤ ዮሃንስ 1፡12 ፤ ዮሃንስ 3፡16 ፤ ኤፌሶን 4፡6 ።

የሱስ ክርስቶስ ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ወዲ ህያው ኣምላኽ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ተጸኒሱ ከምዝተወልደ፡ ሓጢአት አልቦ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ መስዋእቲ ሓጢአት ንኽከውን ካብ አቦ ከምዝተላእከ፡ ርእሱ በጃ ሂቡ ኣብ መስቀል ከምዝሞተ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ከምዝተንስአ፡ ናብ ሰማይ ከምዝዓረገን፡ ሕጂ ኣብ የማን አቦ ከምዘሎ፡ ከምዝማልድን ተመሊሱ ንፍርዲ ከምዝመጽእን፡ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ንሱ ምዃኑ፡ ንዝአመንዎ ኩሎም በቲ ዘፍሰሶ ደሙ ሕድገት ሓጢአትን መሰል ውልድነትን ናይ ዘልኣለም ህይወትን ከምዝህቦም፡ ንኣምን ።

ዘፍጥረት 3፡15 ፤ ማቴዎስ 1፡20-23 ፤ ዮሃንስ 1፡1-14 ፤ ሉቃስ 1፡35 ፤ ግብረ ሃዋርያት 17፡31 ፤ እብራውያን 9፡13፡4 ።

መንፈስ ቅዱስ አካልን መለኰትን ምዃኑ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢአትን ብዛዕባ ጽድውን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ ። ንሰባት ናብ ንስሓ ይመርሕ፡ ንአመንቲ ብመንፈስ ቅዱስ ይመልኦም፡ ናብ ኩሉ ሓቂ ይመርሖም፡ ይቅድሶም፡ የጸናንዖም፡ ንቤተ ክርስቲያን  ዝተፈላለየ ውህበት አገልግሎት ይህብ፡ ሓይሊ የዕጥቅን ምዃኑ ንኣምን ።

ዘፍጥረት 1፡2 ፤ ዮሃንስ 16፡7-8 ፤ ግብረ ሃዋርያት 1፡18 ፤ ሮሜ 8፡1-4 ፤ ገላቲያ 4፡6 ፤ 2 ጴጥሮስ 1፡21 ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለው ሱሳን ሽዱሽተን (66) መጽሓፍቲ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን፡ ቃል ሓቂ ምዃኑ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፡ ንደቂ ሰባት ዘድሕን፡ ዘተስፍው፡ ዝቅድስ፡ አበር ዘይብሉ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን ። ሱሳን ሽዱሽተን (66) መጽሓፍቲ ማዕረ ስልጣን ከም ዘለዎም፡ ቅዱሳት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ከም ዝጸሓፍዎም፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም፡ ዘይቅየሩን ዘይመሓየሹን ምዃኖም፡ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ህይወትናን አገልግሎትን፡ ልዕሊ ማንም ዝገዝኣናን ዘመሓድረናን ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን ።

ዘሌዋውያን 8፡35-36 ፤ 2ሳሙኤል 23፡2 ፤ መዝሙር 12፡6 ፤ ማቴዎስ 24፡35 ፤ ዮሐንስ 17፡17 ፤ 1ተሰሎንቄ 2፡3 ፤ እብራውያን 4፡12 ፤ 2ጢሞቴዋስ 3፡15-17 ፤ ያዕቆብ 1፡25 ፤ ዮሃንስ 2፡28-9 ።

ወዲ ሰብ ኩሉ ሓጢአተኛን ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከም  ዝኾነን፡ ነገር ግን፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙን ብጸጋ ኣምላኽን ጥራሕ ከምዝድሕን ንኣምን ። ሰብ ኩሉ ብግብሪ

ከምዘይጸድቕ፡ እንታይ ድኣ፡ በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ አሚኑ ተነሲሑ ሓጢኣቱ ከምዝሕደገሉን፣ ምስ ኣምላኽ ከም ዝዕረቅን፣ ብመንፈስ ቅዱስ ከምዝቅደስን፣ ውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ተስፋ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከምዝረክብን ንኣምን ።

ቤተ ክርስቲያን፡ ክርስቶስ ብደሙ ዘጥረያን አካሉ ምዃና፡ ንክርስቶስ ብምእማን ሓጢኣቶም ተሓዲግሎም ብመንፈስ ቅዱስ ዳግም ናይ ዝተወልዱ ቅዱሳን ሕብረት ምዃና፡ ክርስቶስ ዝርእሳን ዝመርሓን ማሕበር ህያው ኣምላኽ ምዃና ንኣምን ።

ማቴዎስ ወንጌል 16፡18 ፤ 1ቆሮንቶስ 3፡11 ፤ ኤፈሶን 2፡20-22 ፤ ኤፌሶን 5፡23 ፤ እብራውያን 3፡1 ፤ ግብረ ሃዋርያት 16፡31 ፤ 1ኛ ቆሮንቶስ 12፡12-27፣ ገላቲያ 3፡26 ፤ 1ጴጥሮስ 2፡9-10 ።

ኣብ ክርስቶስ አሚኖም ዝሞቱ ኣብ ዳግም ምጽአት ክርስቶስ፡ ቅዱሳን ክቡር ስጋ ለቢሶም ከምዝትንስኡ፡ ብሂወት ዝጸንሑ ከኣ ብቅጽበት ብክቡር ስጋ ከምዝልወጡ፡ አመንቲ ናብ ናይ ዘልኣለም ሓጐስ ዝአትውሉ ህሞት (ጊዜ) ከምዝኾነ ንኣምን ። ኣብ ክርስቶስ ከይአመኑ ዝሞቱን ዘይሞቱን ሓጥኣን ኣብ ዳግም ምጽአት ጊዜ፡ ካብ ሞት ተንሲኦም ናብ ገሃነም ሓዊ ዝአትውሉ ህሞት (ጊዜ) ምዃኑ ንኣምን ።

ዳንኤል 12:2 ፤ ዮሃንስ 5፡28-29 ፤ ዮሃንስ 20፡24-29 ፤ 1ቆሮንቶስ 15፡20-23 ፤ 1ቆሮንቶስ 15፡42-44 ፤ 1ቆሮንቶስ 15፡51-54 ።

ሰይጣን ፍጡር ኣምላኽ ምዃኑ፡ ሓያል ርኹስ መንፈስ ምዃኑ፡ ቅድሚ ሓጢአት ጌሩ ምውዳቝ ስልጣንን ክብርን ዝነበሮ መልኣኽ ምንባሩ፡ ድሕሪ ምውዳቝ ሰይጣን ዲያብሎስ ፈታኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምንጪ ኩሉ ሓጢኣትን ጠንቂ ኩሉ ጥፍኣት ከምዝኾነ፡ ኣብዛ ምድሪ ንሰባት ሓቂ ፈሊጦም ከይድሕኑ ናብ ስሕተትን ጥፍአትን ዝመርሕ ዘሎ ብክርስቶስ ዝተሳዕረን ኣብ ዳግም ምጽአት ክርስቶስ ድማ ምስ አጋንንቲ ናብ ቀላይ ሓዊ ከምዝድርበን ንኣምን ።

ዘፍጥረት 3፡1-6 ፤ ኢሳይያስ 14፡12-15 ፤ ሕዝቅኤል 28፡12-19 ፤ ማቴዎስ 25፡41 ፤ ማርቆስ 1:27 ፤ ዮሃንስ 844 ፤ ኤፌሶን 6፡12 ፤ 1ዮሃንስ መልዕክት 5፡19፣ 1ጴጥሮስ 5፡8 ፤ ራእይ 20፡10 ።

ሰብ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ፡ ኣምላኽ ወድን ጓልን ጌሩ ከም ዝፈጠሮም፡ ሰብ ኩለንትንኡ (መንፈሱን ነፍሱን ስጋኡን) ቅዱስ ከም  ዝነበረን ምስ ኣምላኽ ሕብረት ከም  ዝነበሮን

ንኣምን ። ሰብ ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሱ ሓጢኣተኛ  ከምዝኾነ፡ ክብሪ ኣምላኽ ከምዝሰአነ፡ ቁጥዓ አምላክ ኣብ ልዕሊኡ ከምዘሎ፡ ናይ ዘልኣለም ጥፍአት ይጽበዮ ከምዘሎ፡ ኩለንትንኡ (መንፈሱን ነፍሱን ስግኡን) ብክርስቶስ ብምእማን ክድሕን ከምዝግብኦ ንኣምን ።

ዘፍጥረት 1፡26-27 ፤ ዘፍጥረት 2፡17 ፤ ዘፍጥረት 16፡17 ፤ ዘፍጥረት 3፡1-22 ፤ ዮሃንስ 8፡44 ፤ ሮሜ 5፡6 ፤ ሮሜ 5፡8 ፤ ኤፌሶን 2፡1-3 ፤ ኤፌሶን 2፡12 ።

ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ተነሲሖም፡ ዳግም ዝተወልዱ አመንቲ፡ ካብታ ዝአመኑላ እዋን፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከምዝተሰጋገሩ፡ ኣምላኽ ካብ ውድቀት ከምዝሕልዎም ንኣምን ። አመንቲ ክሳዕ ሞት ብእምነት ክጸንዑ ከምዝግባእ፡ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ክሕልዉዎ ከምዝግባእ ንኣምን ።

ዮሃንስ 5፡14 ፤ ሮሜ 8፡16 ፤ 1ቆሮንጦስ 16፡1-3 ፤ 1ጴጥሮስ 3-51፣ እብራውያን 3፡12-19 ፤ 1ዮሃንስ 5፡13 ፤ ይሁዳ 24-25 ።

ኣብ ክርስቶስ ዘለዉ ኩሎም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ተቀዲሶም ቅዱሳን ከምዝብሃሉ፡ አመንቲ ንቃል ኣምላኽ እናተአዘዙ ከምዝቅደሱ፡ ኣብ ዳግም ምጽአት ክርስቶስ ኣመንቲ ፍጹም ቅድስና ከምዝለብሱ ንኣምን ።

ዮሃንስ 17፡15 ፤ 2ቆሮንቶስ 6፡14-18 ፤ ቲቶ 2፡11-14 ።

ኩሎም አመንቲ ብዘይ አፈላላይ፡ ብክርስቶስ ሓደ ምዃኖም፡ አካል ክርሰቶስን ምዃኖም ንኣምን ።

ሮሜ 12፡15፣ 1ቆሮንቶስ 12፡13-26 ፤ ኤፌሶን 4፡1-7 ።

የክርስቶስ ዳግም ምጽዓት የአማኞች ሁሉ ተስፋ መሆኑንና በምጽአቱ ጊዜ በሕይወት ያሉና ከሙታን የሚነሱ አማኞች ሁሉ ጌታን ከአየር እንደሚቀበሉት ከዚያም በኋላ ለዘለዓለም በደስታ ከእርሱ ጋር እንደሚኖሩ ታምናለች።

የማቴዎስ ወንጌል 24፡24፣25፣30፣31፣44፤ የማቴዎስ ወንጌል 25፡31፤ የዮሐንስ ወንጌል14፡3፤ የሐዋሪያት ሥራ 1፡11፤ 1ኛ ተሰሎንቄ 4፡13-18፤ 1ኛ ዮሐንስ 2፡28።

ኣብ ክርስቶስ አሚኖም ብስጋ ዝሞቱ ቅዱሳን፡ ክሳዕ ዳግም ምጽአት ነፍሶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ እትጸንሓሉ ቦታ ዕረፍቲ ምዃኑ ንኣምን ።

ሉቃስ 23፡43 ፤ ፊልጵስዩስ 1፡21-23 ።

ኣብ ክርስቶስ ከይአመኑ ብስጋ ዝሞቱ ሓጥኣን፡ ክሳዕ ዳግም ምጽአት ነፍሶም ኣብ ትሕቲ መሬት እትጸንሓሉ ቦታ ስቃይ ምዃኑ ንኣምን ።

ሉቃስ 19፡19-31 ፤ 2ጴጥሮስ 2፡10 ።

ብየሱስ ክርስቶስ አሚኖም ንዝደሓኑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱሳኑ ክወርስዎ ዘዳለዎ፡ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ናይ ዘልኣለም ህይወትን ሓጐስን ምዃኑ ንኣምን ።

ማቴዎስ 25፡34 ፤ ዮሃንስ 14፡13 ፤ ዮሃንስ 21፡1-7 ፤ ዮሃንስ ራእይ 22፡1-5

ንሰይጣንን አጋንንትን ከምኡውን ብየሱስ ክርስቶስ አሚኖም ዘይደሓኑ ዝተዳለወ ቦታ መቅጻዕቲ ምዃኑ፡ ሓጥአን ካብ ኣምላኽ ርሒቆም ዝሳቀይሉን ናይ ዘልኣለም ቀላይ ሓዊ ምዃኑ ንኣምን ።

ማቴዎስ 25፡41፣46 ፤ ዮሃንስ 148-11 ፤ ራእይ 20፡10-15 ፤ ራእይ 21፡8 ።

SUPPORT OUR MINISTRY